Tigrinya


JÜRGEN JANKOFSKY

 

ኣና ሁድ

 

 

ምዕራፍ ሓደ

 

እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን“ „ እዚ ጭካነ እዩ! ብጣዕሚ ጭካነ!“ ክትብል ተዳሃየት ኣና።

ሓደ ስደተኛ ካብ ባሕሪ ጸምበለል እንዳበለ ክወጽእ ኣብ ተለቭዥን ተዓዘበት። ሓደ ዝሞተ ህጻን ‘ውን ኣብ ኢዱ ሓቚፉ ነበረ። ብጥንቃቐ ቀስ ኣቢሉ ድማ ነቲ ህጻን ኣብቲ ገብገም እቲ ባሕሪ ኣደቀሶ ‘ሞ ተምበርኪኹ ናብ ሰማይ ገጹ ኣንቃዕረረ። ኣብቲ ከባቢ ዝሕንብሱ ዝነበሩ ዓበይትን ህጻናትን ቱሪስት ቀረብዎ ‘ሞ ብሓዘን ‘ውን ተዓዘብዎ። እወ፡ ፊልም ኣይነበረን፡ ብጋህዲ ዘጋጠመ ብቐጥታ ኣብ ዜና ኢዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ።

ኣና የእዳዋ ጌራ የዒንታ ሸፈነቶ፡ ርእሳ ‘ውን ነቕነቐት። እቲ ዝረኣየቶ ስእሊ ግን ክለግሰላ ኣይከኣለን። ካልኦት ስደተኛታት ‘ውን ይወጹ ነበሩ። ኣብ ጥርዚ ባሕሪ ድማ ካልእ ጃልባ ትጥሕል ነበረት።

ከምዚ ዓይነት ዜና ንመጀመርያ ግዜ ኣይኮነትን ትርእዮ ዝነበረት። ሎሚ ግን በቃ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮይኑዋ።

እቲ ዜና ዝህብ ዝነበረ ጋዘጤኛ፡ ክትሕግዙ ምስ ትደልዩ፡ ገንዘብ ክትልግሱ ይከኣል እዩ በለ።

ኣና ብቕጽበት ናብ መዳቕሶኣ ብምኻድ እታ መዋህለሊ ገንዘባ ብጣሳ ዝተሰርሐት ሓሰማ ኣምጸኣታ። ዓባያን ኣባሓጎኣን ንዕረፍቲ ክትከይድ ኢሎም ትማሊ ሰላም መንገዲ ይግበረልኪ እዛ ጓለይ! ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይግበረልኪ! እንደበሉ ብዙሕ ገንዘብ የእትዮሙላ ነይሮም እዮም።  እዚ እንዳ ኣጋጠመ ንሳ ምስ ኣቦኣን ኣዲኣን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣሳፊሓ ክትድቅስ ፍጹም ኣይተረኣያን። ፍጹም ኣይደልይን እየ በለት።

ነታ ብጣሳ ዝተሰርሐት ናይ ሓሰማ ቅርጺ ዘለዋ መዋህለሊት ገንዘብ ክሳብ ልዕሊ ርእሳ ሓፍ ብምባል ናብቲ መሬት ደርብያ ፋሕ! ኣበለታ። እቲ ሰናቲም ድማ ፈቐድኡ ኮረር ክብል ጀመረ። ኣዲኣ ብስንባደ ካብ ክሽነ እንዳ ጎየየት ብምምጻእ “ደሓን ዲኺ ደኣ፧” በለታ። ተገሪማ ድማ “እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧” ክትብል ሓተተታ።

“ገንዘበይ ከፈውዩ እየ” እንዳ በለት ኣና ናብ ተለቪዥን ክትዕዘብ ከምዘለዋ ሓበረታ። “ክትሕግዝኒ ትኽሊ ‘ዶ፧”

“እወ...ግን....”

“ጭካነ እዩ እዚ” በለት ኣና። “ጌሊኦም ጸሓይ ይጽለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሰብ ይመውት! እዚ ከብቅዕ ኣለዎ፡ ፍጹም ከብቅዕ ኣለዎ!”

 

 

ምዕራፍ ክልተ

 

ሮቢን ብኸብዲ ኢዱ ጌይሩ ነታ ናይ ማስቲካ ማሺን ሃረማ።

“ኢናዓል ዲናክ” ክብል ድማ ረገማ። “ክንደይ ግዜ እየ ገንዘብ ከእትወላ ደልያ፧ እንታይ ኮይና ኢያ ማስቲካ  ዘይተውጽኣለይ፧”

ኣና ድማ ሮቢን ብቑጥዕ ጅብኡ ክፈታትሽ ትዕዘቦ ነበረት። ቅድሚ ናብታ ማሽን ገንዘብ መሊሱ ምውታፉ ድማ “ጽናሕ እሞ!” በለቶ። ኣቐዲማ ‘ውን ኣና ንኹሎም ደቂ ክላሳ ኣብዛ ዓለምና ማዕርነት ክሰፍንን ኣንጻር ጥሜትን፡ ድኽነትን፡ ተጻብኦን ክቃለሱ ሓቲታቶም ነይራ እያ። ኩላቶም ግን መመኽነይታ ሃቡዋ። ገሊኦም እታ ፖርቶፎለይ ረሲዕያ መጺእ ይብሉ ገሊኦም ድማ ግዜ የብልናን ዝጽናዕ ኣለና ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ስድራና ከነፍቅድ ይብሉ ገለ ድማ ምናልባት ጽባሕ ገለ ነገር ንገብር ንኸውን በሉዋ።

ሮቢን ኣቓልብኡ ናብታ ኣና ካብ ቦርስኣ ተውጽኣ ዝነበረት ማስቲካ ነበረ። ቁሩብ እኳ ተጨማሊቓ እንተነበረት ግን ብዘየገድስ። ኣና ትብሎ ዝነበረት ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ተለቭዥን ዝተፈነወ ክጽወር ዘይከኣል ስእልታትን ካልእን ጽን ኢሉ ይሰምዓ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ እተን ሳናቲሙ ኣብቲ ኣና ትእክቦ ዝነበረት ናይ ሓገዝ ሳናቲም ጸንበሮ።

 

 

ምዕራፍ ሰለስተ

 

ኣና ነቲ ከቢድ ፈተና ናይ ቁጽሪ ደፊንክዮ ኢሉ ኣቦኣ ዝሃባ ገንዘብ ‘ውን ወፈየቶ። ን ኣኮታታ፡ ሓወቦታታ፡ ኣሞታታ፡ ሓትነታታ፡ ደቂ ሓትነታታ፡ ደቂ ኣኮታታ፡ ጎረባብታ፡ ዋላ ውን ንመምሃራናንን ሓለፍቲ መንገድን ክሕግዙን ከወፍዩን ለመነቶም።

እቲ ኣብ ዜና ዝረኣየቶ ክፉእ ትርኢት ስእልታት ግን ካብ ርእሳ ፍጹም ክወጽእ ኣይከኣለን። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ድማ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ እንዳ በዝሐ ደኣምበር እንዳ ወሓደ ዝመጽእ ኣይኮነን ነይሩ። እወ፡ እቲ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ውን እንዳ ኸፈእን እንዳ በዝሐነን እምበር እንዳ ተማሓይሸ ኣይኮነን ዝመጽእ ነይሩ። ብዙሓት ዝጥሕላ ጀላቡ፡ ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት፡ ከምኡ ዓይነት ተርእዮታት ዝስእሉ ሰባት ውን በዝሑ።

 

 

ምዕራፍ ኣርባዕተ

 

ሮቢን ን ኣና ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ሞኽሰይ መን ይበሃል ክብል ሓተታ።

ኩሉ ግዜ ቀጠልያ ክዳን ዝኽደን፡ ብፍላጻ ቀስቲ ሰዲዱ ዘይስሕት ጅግና፡ ደፋርን በሊሕን፡ ነቶም መሳፍንቲ ገንዘቦም መንዚዑ ንድኻታት ዝቕልብ.... ወዘተ

“ሮቢን ሁድ፧”

“ልክዕ” ክብል መለሰላ ሮቢን።

 

 

ምዕራፍ ሓሙሽተ

 

ኣና ስቕ ኢላ ሓሰበት

“ማለትካስ”  ክትብል ሕቶኣ ጀመረት፡ “እንተደኣ እቶም ሃፋትም ነቶም ድኻታት ብውሕዱ ዝብላዕን ዝስተን ንኽረኽቡ፡ ትምህርቲ ንኽመሃሩን ስራሕ ንኽረኽቡን፡ ብሰላም ክነብሩን እኹል ገንዘብ እንተዝልግስሎምም ሲ ዝስደድ ሰብ ኣይመሃለወን ማለትካ ድዩ፧”

“እንድዒ እሱስ ኣይፈለጥኩን” በላ ሮቢን።

“ድኻታት ዜጋታት ስኒ ሃገሮም ጠንጢኖም ብሓደገኛ ኣገባብ ብባሕሪ፡ ብምድረበዳታት፡ ስንጭሮታት ናብተን ብሓጹር ዶበን ዝዓጸዋ ሃብታማት ሃገራት ምምጻእ ኣይመድለዮምን ምሽ፧”

“እንድዒ እሱስ ኣይፈለጥኩን” በላ ሮቢን።

“ኣበይ ብፍላጻ ቀስቲ ምስዳድ ክመሃር ይኽእል፧” ክትብል ሓተተት ኣና።

“እዝስ ኣይፈለጥኩን” በላ ሮቢን።

 

 

ምዕራፍ ሽዱሽተ

 

ኣና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣከዳድናኣ ይቕየር ከም ዘሎ ሮቢን ተዓዘባ። መጀመርያ ቀጠልያ ፌኮ ገይራ መጺኣ፡ ብድሕሪኡ ድማ ቀጠልያ ኣዝማልቶ ተለኽያ ምስኡ ድማ ቀጠልያ ጎልፎ ወድያ መጸት። ብድሕሪኡ ውን ቀጠልያ ጎናን ቀጠልያ ጫማን ገበረት። ኣብ መወዳእታ ከኣ ቀጠልያ ማቲታ ቀተልያ ኩሕሊ፡ ቀጠልያ ሰዓት፡ ቀጠልያ ተሓንጋጢ ቦርሳ፡ ቀጠልያ ብራቸለቶ፡ ቀጠልያ ካቴናን ካቲምን ገበረት።

እወ እቲ ቀተልያ ሕብሪ እንዳ ኣብዛሓቶ ክትከይድ ከላ ንበይና እንዳተነጸለት መጸት። ነዊሕ ትሓስበሉ ከም ዘላ በረሀ። ምስሓቕ ገደፈቶ፡ ካብቶም ካልኦት መዛኑኣ ተፈለየት፡ ምስ ሮቢን ውን ሳሕቲ ጥራይ ትዛረብ ዝነበረት።

እቲ መምህር ን ሮቢን ቆቢዕካ ኣብ ክፍሊ ምስ ኣተኻ ኣውጸኣዮ እንዳበለ ደጋጊሙ ተዘይዛረብ ነይሩስ ሮቢን ቀጠልያ ቆብዕ ገይሩ ከም ዝመጸ ኣይምተገንዘበትን ነይራ።

“ቀጠልያ የጸብቐልካ እዩ” በለቶ ኣና

“ነዓኺ ከማን” በላ ሮቢን።

ክልቲኦም ድማ ፍሽኽ በሉ።

“ሮቢን ሁድ ሲ ኩሉ ግዜ ሕጉስ እዩ ነይሩ” በላ ሮቢን። “ምስ ኩሉ ሰብ ዘዕልል፡ ተጻዋቲ”።

“ከመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧”

“ስቕ ኢለ ለንቅነ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ገለ ብዛዕብኡ ከንብብ ቀንየ።”

“ጽቡቕ! ሓራይ ቀጽል” በለት ኣና።

“ሮቢን ሁድ ንበይኑስ ሓንቲ ኣይምገበረን ነይሩ፡ ፍጹም ዋላሓንቲ! ብዘይ ሰዓብቱን ጭፍሩኡን ዕላማኡ ኣይምረኸበን ንማዕርነት ተቓሊሱ ውን ኣይምተዓወተን። ፍጹም!”

“ኣሃ” እንዳ በለት ኣና ክትሓስብ ጀመረት “ማለትካስ...፧”

“ፍሉጥ እዩ” በለ ሮቢን።

“ሕራይ እሞ” ብምባል ቀጠልያ ካትም ን ሮቢን ሃበቶ ‘ሞ “እንቋዕ ኣባል ጭፍራ ኣና ሁድ ክትከውን ኣብቃዓካ!” በለቶ።

 

 

ምዕራፍ ሸውዓተ

 

ኣና ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ሮቢን ሁድ ክትፈታትሽ ምስ ጀመረት፡ ንሱን ተኸተልቱን ሸፋቱ ከም ዝተሰመዩ ፈለጠት። ብሕጊ ሽፍትነት ድማ ካብ ሃብታማት መንዚዕካ ንድኻታት ምሃብ ምንባሩ ፈለጠት።

ብተወሳኺ እውን ነቶም ሃብታማት፡ መታን ንባዕሎም ከይደኽዩ ፍርቂ ኣዋርቖም፡ ፍርቂ ገንዘቦምን ስልማቶምን ይምንዝዖ ከምዝነበረ ኣንበበት።

ብተወሳኺ ‘ውን ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሮቢን ሁድ ጸወታ ይዝውተር ከም ዝነበረ ኣንበበት። ኣብቲ ጸወታ ድማ ይድረፍ፡ ይስዕሳዕ፡ ግጥምታት ይንበብ፡ የላግጹ፡ ንሰማይ ገጾም የእማን እንዳ ደርበዮ ተርእዮ የርእዩ፡ ብ ቀጢን ገመድ ይሓልፉ፡ ናይ ሽሑር ምርኢት የርእዩ ነበሩ። ሽዑ ድማ እቶም ሃብታማት ነቶም ድኻታት ብዙሕ ገንዘብ የወፍዩ ነበሩ። እዚ ናይ ሮቢን ሁድ ጸወታ ኣብ መዓልቲ ሮቢን ሁድ ማለት ዕለት 1 ግንቦት ይበዓል ነበረ።

 

 

ምዕራፍ ሸሞንተ

 

“ቤላ” በለ ሮቢን፡ “ሎሚ እኮ ሓደ ግንቦት እዩ። ንዕናይ እሞ!”

“ናበይ ደሊኻ፧”

“ናብቲ ሃፋትም ኩሉ ግዜ ዝመላለስዎ። ናብቲ ገንዘብ ዝኽዘኖ። ናብ ባንክ”

ን ኣና ብኢዳ ብምውጣጥ ተታሓሒዞም ናብ ከተማ ገጾም ክጎዩ ጀመሩ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ባንክ ግና ብሓደ ወገን ሽማግለታት ኣሰብኡትን ኣንስትን ቀይሕ ባንዴራ ሒዞም ቀይሕ ፊስካ እዝንኻ ዘጽምም ፊስካ ጌሮም የፋጽዩ ነበሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ውሑዳት መናእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ጸሊም ባንዴራ ሒዞም ነቲ ዝንፋሕ ዝነበረ ፊስካ ክዕብሉሉ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ፖሊስ ድማ ኣብ ማእከሎም ነበሩ። ኩላቶም ጭዳርኦም ምስ ወድኡ ድማ ሓደ ዓይቢ ሰብኣይ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ብዛዕባ ሓይሊ ገንዘብ፡ ክዛረብ ጀመረ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ድማ ንኩለን ሃገራት ክግድድዎም ከም ዘለዎም ካብ ሓንቲ ወረቐት ሰጋእጋእ እና በለ ንባቡ ይቕጽል ነበረ። ኣናን ሮቢንን ግን እንታይ ይብል ከም ዘሎ ፍጹም ክርደኦም ኣይከኣለን። 

ቅድሚ ክልቲኦም ጸወታ ምጅማሮም፡ ምድራፎም፡ ምስዕሳዖም፡ ግጥምታት ምንባቦም፡ ምልጋጾም፡ ንሰማይ ገጾም የእማን እንዳ ደርበዮ ተርእዮ ምርኣዮም፡ ብ ቀጢን ገመድ ምሕላፎም፡ ናይ ሽሑር ምርኢት ምርኣዮም ግን ካብቲ ቦታ ተሶጊጎም።

„እዚ መጻወቲ ቦታ ኣይኮነን!“

“ሎሚ ሓደ ግንቦት እዩ! ሰራሕተኛታት ዝቃለስሉ መዓልቲ እዩ!”

“ተረዲኡኩም ዶ፧”

 

 

ምዕራፍ ትሽዓተ

 

ኣስተውዑሉ ህጻናት!  ክትብል ኣና ኣብ ኢንተርነት ክትጽሕፍ ጀመረት። ንዘይፍትሓዊ ነገር ዝቋወም ኣሎ ዶ፧ ንሕጊ ናይ ሸፋቱ ዝድግፍ ከ፧ ነዛ ኣና ሁድ ትበሃል ጭፍራ መስሪትናያ ኣለና! ስለዚ ትጽንበሩና ዲኹም፧ ምጹ ናባና!

 

 

ምዕራፍ ዓሰርተ

 

ግዜ ከይወሰደ ድማ ብናይ ኢንተርነት ፖስታ ካብ መላእ ዓለም ክመጻ ጀመረ።

መጀመርያ ኦቶ ኢዩ መሊሱ፡ ምሳኹም ኣለኹ!  በለ

ብድሕሪኡ ድማ ኣሕመድ፡ ኣርመን፡ ኣሞ፡ ሶቫኒን ኣኪራን።

ማሪያ ድማ እታ ናይ ኣና ደብዳቤ ብ ኻልኦት ቋንቋታት ክትትርጎም ትከኣል እንተኾይና ሓተተታ።

ጸገም የለን!

ስቨትላና ድማ ናብ ካልኦት ህጻናት እታ ደብዳቤኣ ከተማሓላልፋ ይፍቀድ እንተ ኮይኑ ሓተተት።

ጸገም የለን!

ኢንዲራ ድማ እቲ ዝተተርጎመ ደብዳቤ ናብ ካልኦት ቋንቋታት መሊሱ ክቱርጎም ይከኣል እንተ ኮይኑን ናብ ካልኦት ከተማሓላልፍን ፍቓደኛ እንተኮይና ሓተተት።

ጸገም የለን! ጸገም የለን! ጸገም የለን!

እንዳ ተለኻኸመ ድማ ከም በዓል ጊሶ፡ ስላትኮ፡ ሃይለ፡ ባገሽሪ፡ ማኖን፡ ቲይስ፡ ኣግነታ፡ እይሉልን ሳራን፡ ኾሰ፡ ጆን፡ ግዮርጊን ጆቫኒን፡ ሊንግ፡ ሩዊ፡ ቺንጊስ፡ ማላይካ፡ ቫይኖ፡ ክሳቢ፡ ያላ፡ ህራፍንሂልዱር፡ ቢንታንግ፡ ኦዲሰዩስን ዋሉዮን፡ ናይራ፡ ሞዋን፡ ኤርነስቶን ያንኮን፡ ጃኔትን ያስሚንን፡ ካራምባ፡ ፓትሪክ፡ ረቶ፡ ናኑክ፡ ንጉኖወ፡ ስቨን፡ ዛኻሪ፡ ናሩሞል፡ ሆዋ፡ ጋቢጃ፡ ራዱ፡ ተንዚንን ሱ ዩንግን ተጸንበርዎ።

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

 

 

ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ

 

“እቲ ኩሉ ክንገብሮ ዘለና ሓደሽቲ ሓሳባት ኣባላት ጭፍራናስ ኣንቢብክዮ ‘ዶ፧” ክብል ሓተታ ሮቢን።

“እወ ኣንቢበዮ” በለት ኣና። “ክንርእዮ ኢና መቸም እንታይ ክንገብር ከም ዘለናስ”

እቲ ሓሳብ እምበኣር፡ ኩላቶም ቁርሲ ሒዞም ክመጹ ዘይክእሉ ተመሃሮ፡ በቶም ሃብታማት ምሳሕ ክዕደሙ ከም ዘለወምን እንተወሓደ ድማ ስጋብ ቴርሶ፡ ማለት ብ ሱፕ ጀሚሮም፡ ደሓር መኣዲ፡ ብድሕሪኡ ድማ ምቁር ነገር ከብልዕዎም እዩ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ድማ!

ወይ ድማ ኩሎም ተመሃሮ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክሳብ ናይ ሃብታማት ግብሪ ዝጅመር ክማጎቱ ኣለዎም። እወ! ኩሎም ተመሃሮ ነቶም ሰሪሖም ዘይኮኑስ ብገንዘቦም ገንዘብ ዝገብሩ፡ ፍርቂ ኣታዊኦም ንድኻታት ከይሃቡ፡ ዕዮ-ገዛ ምስራሕ ኮነ ኣብ ክፍሊ ምስታፍ ክውግዱ ኣለዎም። ብቑልጡፍ!

ወይ ከኣ ኩሉ ሰብ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ ገንዘብ ክኽፈል ኣለዎ። ዓቢ ኮነ ንእሽቶይ፡ ተባዕታይ ኮነ ኣንስታይ፡ ገዚፍ ኮነ ቀጢን፡ ብጫ፡ ሓመዳዊ፡ ጻዕዳ ወይ ጸሊም፡ ሃብታም ኮነ ድኻ፡ ንኽሉ ሰብ ብሓደ መልክዕ ወርሓዊ ገንዘብ ኣብ መላዕ ዓለም ዘለው ክኽፈሉ፡ ክሳብ ኩሉ ሰብ ካብ ጥሜትን  ጽምኢን ዝናገፍ፡ ኩሉ መዕቆቢ ገዛ ዝረክብ፡ ኩሉ ሰብ ተማሂሩ ጽቡቕ ስራሕ ረኺቡ ብጽቡቕ ደሞዝ እንዳ ተኸፈለ ድሌቱ ከማልእ ዝኽእል። እወ፡ ኩሉ እቲ ንሱ ዝርከቦ ቦታ ገዝኡ፡ ዓዱ ዝኸውን። ኩሉ ሃብቲ ናይዛ ዓለምና ንኹሉ ሰብ ተመቒሉ ይኣክል እዩ። ሕራይ ዶ፧

 

 

ምዕራፍ ዓሰርተ ክልተ

 

“በጃኺ ብትሕትና ግበርዮ!”

ሮቢን ነታ ምስ ኩሉ ቀጠልያ ነገራታ ኣብ ቅድሚ እቲ ህንጻ ናይ ባንክ ትንቀሳቐስ ዝነበረት ኣና ክመርሓ ጀመረ።

“ሓንቲ ስጉሚት ንቕድሚት ምጺ! ጽቡቕ! ሕጂ ናብ ማእከል እተዊ። ግርም! ብጣዕሚ ጽቡቕ!”

ብድሕሪ እዚ ሮቢን ንኣና ቀጠልያ ቆቢዕ ገበረላ እሞ ክስእላ ጀመረ። ክላክ! ክላክ! ክላክ! እንዳ ደጋገመ።

እታ ዝጸበቐት ስእሊ ድማ ኣብ ኢንተርነት ሽዑ ንሽዑ የእተዋ። ምስ ብዙሕ ሰላምታ ካብ ኣና ሁድ ድማ ጸሓፈላ።

ኣብ ገዛ ምስ ከደት ድማ ኣና ኣብኡ ጸሓፈት። 1 ሰነ ቀሪባ እያ። ሽዑ ድማ መዓልቲ ህጻናት እዩ። ካብ ሕጂ ንንየው ድማ መዓልቲ ሮቢን-ሁድ ክንሰምያ ኢና። ኩሉ ሰብ ዝኾነ ቀጠልያ ክዳን ረኺቡ ይከደን። ዝረኸብክሞ ዋላ ቀጠልያ ካልሲ ወይ ቀጠልያ ሰዓት ወይ ቀጠልያ ርሳስ ወይ ከኣ ሰቲ ወይ ስየ። ኣብ መዓልቲ ሮቢን-ሁድ ድማ ኩላትና ቀጠልያ ለቢስና ናብቲ ገንዘብ ዝርከቦ ቦታ ክንከይድ ኢና። ወይ ናብ ባንክ ወይ ከኣ ናብ ገዛ እንዳ ሃብታማት። ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሃሎዊን ንኸዶም ቦታታት! ሕጂ ግን ካራሜላ ወይ ሽኮራዊ ነገራት ወይ ክቶኽቡልና ዘይኮና ንኸዶም ንማዕርነት ኢልና ኢና! እወ! ንኹላትና! ዝኾነ ሰብ እንተ ስሒቑና ወይ ሰጒጉና ድማ ስኢልና ኣብ ኢንተርነት ከነእትዎ ኢና። ኣብቲ ዝመጽእ መዓልቲ ሮቢን-ሁድ ድማ ብብዝሒ ህጻናት ንማዕርነት ክሳተፉ እዮም። ብድሕሪኣ ዘላ ዓመት ድማ ካብኦም ዝበዝሑ፡ ብድሕሪኣ ድማ ዝዛየዱ ኮምኡ ኢሉ እንዳ ተለኻኸመ ከም ኩዑሶ በረድ ክዓቢ እዩ።

ኣነ ኸ ጽሑፍ ክውስኽሉ ይኽል ድየ ክብል ሮቢን ንኣና ሓተታ።

“ትኽእል እወ”

ኣይትዘንግዑ እንዳ ዓበና ኢና ንኸይድ። ምስ ዓበና ድማ ዓለምና ክንመርሓ ኢና!  ኢሉ ጸሓፈ ሮቢን።

ኣነ፡ ኣነ፡ ኣነ ‘ውን ኣለኹ ምሳኹም  ክብሉ ሃንደበት ካብ ኩለን ሃገራት ህጻናት ክጽሕፉ ጀመሩ።

ገሊኦም ገለ ነገር ይሓቱ ገሊኦም ድማ ንኣብነት ቀጠልያ መነጽር ይፍቀድ ድዩ፧ ፖስተር ክንስእል ወይ ብቪድዮ ክንቀድሕ ይከኣል ድዩ እንዳበሉ ይሓቱ።

እወ!እወ!እወ!

ልከእ 1 ግንቦት፡ መዓልቲ ሮቢን-ሁድ ምስ ኮነ ድማ ጀምሩ! ኢላ ጸሓፈት ኣና።

 

Übersetzung / translation: Samson Solomon